Arbeit und Bildung tigrinya

Arbeit und Bildung Schwalm, Schwalmstadt

ናይ BLEIB ኣማኸርቲ ን ደለይቲ ኣስተምህሮ ካብ ክልል ሽቫልም ኤደር

ነእንግዶም ነገራት

ንኹሎም ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኩነታት መንበሪኦም ወይ ተቐባልነቶም ብዘየገድስ፡ ምኽሪ ነእንግድ። ዕላማና ድማ ንኹሎም ኣብ ስራሕ ዓለም ከነእትዎም እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ሰራሕ ዓለም ኣንፈቶም ክፈልጡን ናይ ስራሕ መድለዪ ወረቓቕቶም ብግቡእ ከማልኡን፡ ግቡእ ፕራክቲኩም ወይ ናይ ስራሕ ቦታ ክረኽቡን ንሕግዝ። ካብዚ ወጻኢ ድማ ናይ ቋንቋ ትምህርትን ኣገሳሲ ደገፋትን ናይ ዎርክ ሾብ ስራሕን ነሰላስል።

ንስደተኛታት ደቀንስትዮ ፍሉይ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ካብ ደቀንስትዮ ናብ ደቀንስትዮ ብዝብል ኣገባብ ንህብ። ኣብሰሙን ሓንሳብ ናይ ደቀንስትዮ ሓባራዊ ቁርሲ ነእንግድ። ኣብዚ ድማ ስደተኛታት ደቀንስትዮ ምስ ደቀን መጺእን ኣብ ውሑስ ቦታ ሓሳባተን ክለዋወጣ ይኽእላ እየን።

እቶም ዝተፈላለዩ ክኢላታት ኣብ ሽቫልም ክም ናኣብነት ጆብ ሰንተር፡ ናይ ስደተኛታት ምኽሪ ከምኡ ውን ቤት ጽሕፈት ዕዮ ነንሓድሕዶም ዝተተሓሓዙ ኮይኖም ንሕና ድማ ክፋል ናቶም ኢና።
ፍሉይ ሓባራዊ ስራሕ ናይ ምትብባዕ ምስ Integration durch Qualifizierung (IQ) ኮይኑ ኣብ ጽፍሒ ርክብ ምስ ሃገራውያን ትካላት ኣብ ምቕባል ኣህጉራዊ ሞያዊ ትምህርቲ እዮም።

ንሕና መን ኢና

Arbeit und Bildung e.V ን 30 ዓመታት ኣቢሉ ዕውታት ቃልስታት ንደቂ ሰባት ኣካይዱ። መጻኢኦም ክጎልሕን ስራሕ ንኽነብሩን ድማ ተቓሊሱ። ኣብ ናይ ስደተኝታት ጉዳይ እውን እንተኾነ፡ ስራሕን ትምህርትን ንኽረኽቡ ንቡዙሓት ዓመታት ነጢፉ።







Hessenkarte




	
	Schwalm-
	Eder-
	Kreis

ናይ ዝርርብ ሰራሕተኛ፡

BLEIB in Hessen II

Arbeit und Bildung e.V.

Steingasse 36 | 34613 Schwalmstadt-Treysa

06691 927298

Esther Padalsky

padalsky@arbeit-und-bildung.de

Holger Rothenmayer

rothenmayer@arbeit-und-bildung.de

ናይ ስራሕ ሰዓታት

ክፉት ናይ ዝርርብ ሰዓታት
ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ
ካብ ሰዓት 10:00 ክሳብ 13:30


ንደቀንስትዮ ብፍላይ ድማ
ሰሉስ ካብ ሰዓት 10:00 ክሳብ 13:30


ብቖጸራ ድማ ኣብ ካልእ ሰዓታት ክግበር ይከኣል