berami tigrinya
berami
berufliche Integration e.V. Frankfurt am Main
ናይ BLEIB ኣማኸርቲ ን ደለይቲ ኣስተምህሮ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት እዩ
ንሕና ነእንግዶም
ምኽሪ ን ስደተኛታትን ንጹጋትን
- ምኽርን ሞያዊ ቃለ መጠየቕን ንናይ ስራሕ ዕዳጋ
- ምኽሪ ንሞያዊ ብቕዓትን ምጅምርን ምቕጻልን ሞያዊ ስልጠና
- ናይ ስራሕ መድለዪ ሰነዳት ምምስራትን ምምሕያሽን ንተሓባበር
- ፕራክቲኩም ንምርካብ ንተሓባበር
ኣቶኪርና ንሰርሓሎም ጽፍሕታት ብጾታ ዝተቐየደ ምኽሪ ን ናይ ስራሕ ምትሕንፋጽ እዩ።
ኣብ ጾታ ዘተኮረ ምኽሪ ክንብል ከለና፡ ምስ ውልቀ ሰባት ደቀንስትዮ ኮና ደቂተባዕትዮ ዘድልያ ወይ ዘድልዮ ነገራት ብዕቱብ ምሓዝ ማለት እዩ። ኣብዚ ድማ ውልቃዊ ኩነታትኩም ኮነ ባህላዊ ድሕረ ባይታኹም ኣብ ግምት ነእቱ።
ንሕና መን ኢና
Beramí ንልዕሊ 25 ዓመታት ናይ ትምህርትን ምኽርን ንናብ ጀርመን ዝተሰደዱ ወይ ዝሃደሙ ሰባት ኣገልግሎት ንህብ። ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ንናይ ሞያዊን ማሕበራዊን ምትሕንፋጽ ናይ ስደተኛታትን ዑቕባኛታትን ምስ ደቂ ሃገር ዝምለከት ኣርእስቲ ናይ ነዊሕ ተመኩሮ ኣለና።
ስትራተጂካውያን መሳርሕትና ዝኾና ትካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ስደተኛታት ስራሕ ብዙሕ ተመኩሮ ዘለወን፡
- ቤት ጽሕፈት ዕዮን ጆብ ሰንተርን
- ናይ ኣማኸርቲ ትካላት ን ስደተኛታት
- ናይ ሞያ ስልጠና ተቐበልቲ፡ ቤት ትምህርቲታት፡ ፎልክስ ሆኽ ሹለ
- ቤት ጽሕፈት ባህላዊ ጉዳያት
- ናይ ፍራንክፈርት ናይ ስራሕ ዕዳጋ ፕሮግራም
- FRAP Agentur፡ Frankfurt hilft, Arbeitsmarktbüro
- ናይ ዩገንደን ሶሻልን ኣምት
ናይ ዝርርብ ሰራሕተኛ፡
Christoph Joschko
Nibelungenplatz 3 | 60318 Frankfurt
069 91301017
ናይ ዝርርብ ሰዓታት፡
ቆጸራ ወይ ብተሌፎን ወይ ብኢመይል ኣቐዲምኩም ግበሩ