hfr tigrinya
Hessischer Flüchtlingsrat (hfr)
ንሕና ንራኸቦም ሰባት
ሰራሕተኛታት ናይ ጆብ ሰንተርን ቤት ጽሕፈት ዕዮን፡ ናይ ግብረ ሰናይ ሓገዝቲ፡ ከምኡ ውን ኣብ ምሉእ ሄሰን ዘለዉ ሽርካታት። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ Schulungen ተወከሱ።
ኩሎም ኣብ ምሉእ ሀሰን ዘለዉ ስደተኛታት ንመሰርሕ ዑቕባ ዝምልከት ሓገዝ ምስ ዝደልዩን ኣብቲ ከባቢኦም ናይ BLEIB ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈታት ምስ ዘይህሉ።
ንሕና ነእንግዶም
- ናይ ዑቕባ ሕግታት ዝምልከቱ ኣስተምህሮ
እዚ hfr ንኹሎም ኣባላት BLEIB ሕጋውያን ሓበረታታት ብዛዕባ ዑቕባ፡ መንበሪ ከምኡ ድማ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዝምልከቱ ምኽሪ የእንግድ። ሓተቲ ዑቕባ፡ ቅቡላት ስደተኝታት ኮኑ ኑጹጋት ብመንገዲ ናይ ዑቕባ ሕግታት ኣቢሎም ኣብ ስራሕ ዓለም ንነዊሕ እዋን ክሰርሑ ይኽይሉ።
- ኣብ ናይ ESF-BAMF-Kurse ቋንቋ ትምህርቲ ምስዳድ፡ ጉዳዮም ኣብ መስርሕ ዘሎ
ዑቕበኛታት ሓደ ሓደ ቅጥዕታት ብምምላእ ኣብዚ ንስራሕ ዝዓለመ ESF-BAMF-Kurse ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ከማልእዎ ዘለዎም ነገራት፡
ሀ. እዚ “ ትሑት ኣማራጺ ናብ ስራሕ ዓለም ምእታው” ዘለዎም ኮይኖም፡ ማለት እንተ ወሓደ ን 3 ኣዋርሕ ኣብ ጀርመን ዝቕመጡ ኮይኖም።
ለ. ቁሩብ ቋንቋ ጀርመን ዝኽእሉ ኮይኖም (ተወሓደ A1)
- ኣስተምህሮ ን ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ጆብ ሰንተር ከምኡ ውን መምሃራን
እዚ hfr ዝኽተሎ ኣርእስቲ „ ምውህሃድ ስደተኛታት ንናይ ስራሕ ዕዳጋ ብ ንወጻእተኛታት ዝተዋህበ ሕግታት“ ኮይኑ ኣስተምህሮ ን ሰራሕተኛታት ናይ ቤት ጽሕፈት ዕዮን ጆብ ሰንተርን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ይህብ። ብዘይካ እዚ ከኣ hfr ናይ ሓበሬታ ሰሚናራትን ትምህርትን ንወለንታውያን ሰራሕተኛታትን መምሃራንን ይህብ።
ሕጂ ድማ ሓዲሽ ስራሕ ምኽርን ኣስተምህሮን ንብጭንቀት ዝተጠቕዑ ስደተኛታት ብኸመይ ኣብ ስራሕ ዓለም ይሳተፉ ዝብል ኣርእስቲ ጀሚርና ኣለና።
ንሕና መን ኢና
ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ፍራንክፈርት ኮይኑ ንመሰላት ስደተኛታትን ንምምሕያሽ ህይወት ስደተኛታትን ካብቶም ንቃለሰሎም ባእታታት እዮም።
እዚ hfr ምስ ወለንታውያን ሰራሕተኛታት ኮነ ኣማኸርቲ ትካላት ኣብ መንበሪ ስደተኛታት ኮነ ኣብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ከም ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት፡ ቤት ጽሕፈት ዕዮን ጆብ ሰንተርን ሓቢሩ ይሰርሕ። ዕላማና ድማ ነፍስ ወከፍ ጸገም ስደተኛ ፍታሕ ንምርካብ እዩ።
ንሕና ኣብ ትሕቲ ጽላል መስረትና ካብ 1991 ጀሚርና ወሰንቲ ፖለቲካዊ ስጉምትታትን ተዓተቕቲ ህዝቢ ንምውህሃድ ስደተኛታት ዝቃለሱን ነዛምድ።
ናይ ዝርርብ ሰራሕተኛ፡
Hessischer Flüchtlingsrat
Leipziger Str. 17 | 60487 Frankfurt am Main
Jana Borusko
069 97698709
Anna Hartnagel
069 97698710
ናይ ስራሕ ሰዓታት፡
ብናይ ተለፎን ቆጸራ ጥራይ።