IB Hanau tigrinya
Internationaler Bund (IB), Hanau
ናይ BLEIB ኣማኸርቲ ን ደለይቲ ኣስተምህሮ ኣብ ከተማ ሃናውን ማይን ኪንዚክ ክራይስን
ንህቦም ኣገልጉሎት
ውልቃውን ሓባራቅን ምኽሪ ንስደተኛታት ኣብ እዋን መስርሕ ዕቑባን ንንጹጋትን
- ምግምጋም ክእለት
- ሰርትፍኬት ኮነ ዲፕሎም ኣብ ምጽዳቕ ንተሓባበር ነማኽርን
- ናይ ቋንቋ ኮርሳት ንደልየልኩም (ብፍቓድBAMF ኮነ ብዘይፍቓድ)
- ናብ ናይ ኢንገራስዮን ኮርስ ምስዳድን ናይ ስራሕ ሞያ ምስልጣንን
- ናይ ስራሕ መድለዪ ሰነዳት ኣብ ምምስራትን ምምሕያሽን ንተሓባበር
- ስራሕ ኣብ ምድላይ ንተሓባበር
- ምስ ኣስራሕቲ ነራኽብ
- ንብቕዓት ሞያ ኮነ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ምጅማርን ምቕጻልን ምኽሪ ንልግስ
- ፕራክቲኩም ኣብ ምርካብ ንተሓባበር
- ንናይ ስራሕ ፍቓድ ዝምልከት መስርሕ ኣገባባት ንምምላእ ንሕግዝ
- ሕሉፍ ምድላዋትን ገምጋም ምሃብን
ብዛዕባና
ኣብ ፍራንክፈር ኣብ ማይን ዝመደበሩ ኮይኑ ካብ 1949 ጀሚርና ኣብ ናይ መናእሰያት፡ ማሕበራዊ፡ ከምኡ እውን ናይ ትምህርቲ ስራሕ ነእንግድ። ኣብ ዓመት 300.000 መናእሰያትን ዓበይትን ብመንገዲ IB ኣብ ሞያዊ ስልጠናን ናይ ስራሕ ምቅርራብን ነእንግድ።
ስትራተጅካውያን መሳርሕትና ድማ፡
- ቤት ድሕፈት ዕዮ፡ ጆብ ሰንተር፡ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት
- ኣስራሕቲ ትካላት
- ናይ ስደተኛታት ኣማኸርቲ ትካላት
- ናይ ትምህርቲ ኣካየድቲ
- ቤት ትምህርቲ፡ ፎልክስ ሆኽ ሹለ
- ማዕከናትን ኢደ ጥበብን
ናይ ዝርርብ ሰራሕተኛ፡
IB – Internationaler Bund
Bildungszentrum Hanau
Marktstr. 3 | 63450 Hanau
06181 9230813
Steffen Wenzel
ናይ ዝርርብ ሰዓታት
ሰሉስ ካብ ሰዓት 10.00 ክሳብ ሰዓት 15.00
ብቖጸራ
ኣብ ክፍሊ 3.1