startHAUS tigrinya

startHAUS gGmbH, Offenbach

ናይ BLEIB ኣማኸርቲ ን ደለይቲ ኣስተምህሮ ኣብ ከተማ ኦፈንባኽን ከባቢኣን

ንህቦ ኣገልጉሎት

ንስደተኛታት ኣብ ፋልማይ ስጉምቶም ንናይ ስራሕ ዓለም ነማኽሮምን ንሕግዞምን። ምቹእ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ንደልየልኩም፡ ናይ ስደሕ ምድላይ ልምምድ፡ ኣንፈት ስራሕ ማለት ኣየናይ ስራሕ እዩ ዝምችኣኩም ነጻሪ። ኣድላይነት ምስ ዝህልዎ ኣብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ነካይደኩምን መመልከቻ ኣብ ምጽሓፈፍን ፎርም ኣብ ምምላእን ድማ ንተሓባበረኩም። ነቲ ትደልይዎ ጉዳይ ኣየናይ ኣካል እዩ ዝምልከቶ፧ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት፡ ብቕዓትኩም መፍለጢ ትካላት፡ ዓማዊልና ናብ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ንሰዶም መታን ኣብ ፕራክቲኩም፡ ሞያዊ ስልጠና፡ ወይ ስራሕ ኣብ ምርካብ ብዝተኻእለ መጠን ክቐለሎም።

ምስ ናይ ትምህርቲ ኣገልገልቲ ኮነ ክኢላታት ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብጥቡቕ ሓቢርና ንሰርሕ። እዚኦም ውን ኣብ ናይ ስደተኛታት ስራሕ ስራሕና ውጽኢታዊ ንምግባር ብንጥፈት ይሰርሑ።

ስትራተጂካዊ መሳርሕትና እዞም ዝስዕቡ እዮም

  • ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ጆብ ሰንተር፡ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሶሻል ኣምትን
  • ናይ ስደተኛታት ኣማኸርቲ፡ ናይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፡ ናይ ከባቢ ምምሕዳርን
  • ናይ ተቐባልነት ምኽሪ
  • ኩባንያታት፡ ናይ ኢንዱስትሪን ንግድን ማዕከን፡ ናይ ኢደ ጥበብ ማዕከን
  • ናይ ግብረ ሰናይ ተበግሶታት

ንሕና መን ኢና

እዚ startHAUS GmbH ኣብ መጀመርያ 2006 ናይ ትምህርቲ ቦታ ተባሂሉ ተመስሪቱ። ኣባላትና ዝተፈላለየ ጾታ፡ ዓሌት፡ ዕድመ ዘለዎም እዮም። ንሕና ንኽተሎ ናይ ምምህርና መስርሕ ምስ ሕብረተሰብ ክትመሳሰል ተኽእሎታት ዝፈጥር እዩ ኣገባብ እዩ።







Hessenkarte




	
	Kreis
	Offenbach

ናይ ዝርርብ ሰራሕተኛ፡

BLEIB in Hessen II

Pirazzistr. 15 | 63067 Offenbach

069 / 82 37 86 229

Erdem Özbek

erdem.oezbek@starthaus.org

ናይ ስራሕ ሰዓታት፡

ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰሉስ ካብ ሰዓት 9:00 ክሳብ 12:00

ሓሙስን ዓርብን ካብ ሰዓት 9:00 ክሳብ 12:00