start3
start3
slider7
slider7
slider8
slider8
previous arrowprevious arrow
next arrownext arrow

Welcome tigrinya

ምምካት ነቶም ኣብ ምእታው ናይ ስራሕ ዓለም ዘለዉ መሰናኽላት

  • ኣብ ሄሰን ትነብሩ ስደተኛ ኢኹም፧
  • ስራሕረኺብኩምባዕልኹምነብስኹምክትክእሉደሊኹም፧
  • ብዛዕባ መንበርን መንበሪ ፍቓድን ክትሓቱ ትደልዩ፧

ኣብ ጀርመን ከም ስደተኛ መጺእኩም ኣብዚ ክትነብሩ ምስ ትደልዩ፡ ብዙሕ ከተማልእዎ ዘለኩም
ነገራት ይጽበየኩም እዩ። ንሳቶም ድማ ኣብ ሓዲሽ ባህሊ ኣንፈትካ ምፍላጥ፡ ሓዲሽ ቋንቋ
ምምሃር፡ ብናይ ዑቕባ መስርሕ ምሕላፍ፡ ናይ መንበሪ ፍቓድን ምስኡ ዝተሓሓዝን ናይ ስራሕ
ፍቓዳት ምንጻር፡ ስራሕ ምድላይ ዝኣመሰሉ እዮም። ንሕና ድማ ኣብተን ቀዳሞት ኣገዳሲ ስጉምቲ
ኣብ ስራሕ ዓለም ምእታው ክንተሓባበረኩም ድሉዋት ኢና። እቲ ናትና ኣበርክቶ ተጠቐሙሉ
ኢኹም።

ኣማኸርቲ ናይ BLEIB in Hessen II ዘይዝኾነክፍሊትኩምንብምስጢርንምኽሪይህቡ።

በዚ ኣገባብ ድማ ንተሓባበረኩም

  • ውልቃዊ ኣማኻሪኹም ኩሉ ግዜ ክተሓባበረኩም ቅሩብ እዩ። እቲ ንስኹም ትደልይዎን ምስ
    ክእለትኩምን ኣፋፍኖትኩምን ዝተሓሓዝ ስራሕ ምሳኹም ኮይኑ ጥቡቕ መጽናዕቲ ብምግባር
    ዕድላት ሞያታት ከርእየልኩምን ክረኽበልኩምን ይኽእል እዩ። ኩነታት መነባብሮኹምን ዘለኹሞ
    ኩነታትኩም ውን ኣብ ግምት የእቱ።
  • ኣብ እዋን መስርሕ ናይ ዑቕባኹም ኮነ ብድሕሪኡ ደገፍና ኣለኩም።
  • ምስ ምትሕብባር ኣባላት IQ- ኣማኸርቲ፡ሞያዊትምህርትኹምኣብዓድኹምዝገበርኩሞኣብዚ ዓዲተቐባልነቱንኽረክብጻዕርታትነካይድ።
  • ናይስራሕዕድላትንናይትምህርቲምቕጻልተኽእሎንዝሓዘሉዝተፈላለዩሓበሬታታትካባና ትረኽቡ።
  • ስራሕንኽትረኽቡእውንብክኢላታትንብናይኣደላልያስራሕትረይኒንግንቅሩባትከምትኾኑ ንገብር።
  • መታንከስርሓኩምዝኽእልትካልብቐጥታክትረኽቡ፡ናብቶምነዚስርሖምኣካላትነራኽበኩም።
  • ኣድላይነት ምስ ዝህልዎ ድማ፡ ስራሕ ኣብ ትጅምሩሉ እዋን ኮነ ኣብ ልምምድ ኣብ ዘለኹምሉ
    እዋን ምሳኹም እንዳ ከድና ነተባብዓኩም።

ቀጻልነት ዘለዎ ዓወታት ኣብ ሂወትኩም እቲ ነዓና ኣዝዩ ዘገድሰና ነገር እዩ።

ከከምእቲዝተቐበልኹምንዝተወሃበኩምወረቐትንዝተፈላለየናይስራሕንስልጠናንተኽእሎእዩ ዘሎ።እተንናይመጀመርያስጉምቲግንመብዝሕትኡግዜፕራክቲኩምወይሞያዊስልጠና፡ናይ ቋንቋትምህርቲ፡ወይድማንስራሕዝዓለመቀጻልነትትምህርቲዝኣመሰሉእዮም።ኣብዚመዳይ ድማዝተፈላለዩዓይነታትስልጠናንናይቋንቋትምህርትንቀረባትኣብስራሕዓለምከእትወኩም ዝኽእልመደባትኣለዉ።

ነራኽበኩምትካላት

ናይ BLEIB-ኣማኸርቲቤትጽሕፈት

እዚ ናይ BLEIB ቤትጽሕፈታትክትረኽብዎእንተደሊኹም፡ኣብቲዘለኹሞንኡስዞባ (Landkreis) ጠውቑ።