Zaug tigrinya

ZAUG gGmbH

Zentrum für Arbeit und Umwelt – Berufsbildungsgesellschaft gGmbH

ናይ BLEIB ኣማኸርቲ ትካላት ኣብ ከተማ ጊሰንን ክልላን

ኣብ ጥሕቲ „BLEIB in Hessen II“ ኮይና እንታይ ንህቦ ኣገልግሎት ኣሎ፧

ናይ ውልቃውን ናይ ሓባራዊን ምኽርታት ንስደተኛታትን ንንጹጋትን። ብፍላይ ድማ መናእሰያት ስደተኛታት ካብ 16 ክሳብ 35 ዕድመ ዘለዉ ፈልማዊ ናይ ስራሕ ተመክሮ ክቕስሙ ንተሓባብር፡

  • ካብ 4 ክሳብ 6 ወርሒ ዝንውሓቱ ፕራክቲኩም ኣብ ናይ ZAUG ናይ ባዕልና ትካላት
  • ናይ መምሃርን ሞያዊ መሰልጠናን ቦታታትና ናይ ምሉእ ግዜ (5 መዓልቲ) ሞያዊ ስራሕ ኣብ ናይ ኢደ- ጥበብ፡ ናይ ኤሌክትሮኒክ ተክኒሻን፡ ለቕላቓይ ከምኡ ውን ናይ ገዛ ስራሕ ነእንግድ።
  • ኣብ ጎኒ ጎኒ እዚ ኢደ-ጥበባት ድማ 5 መዓልቲ ንስራሕ ዝዓለመ ቋንቋ ጀርመን ነምህር።
ብዛዕባና

ከም ትካል ሞያዊ ኣሰልጠንቲ መጠን ካብ 1988 ጀሚርና ካብ ስራሕ ዓለም ዝተኣለዩ ሰባት ኣብ ትካልና ዝርከብ መሰልጠኒ ቦታ እንዳ ወሰድና ብ ስራሕን ትምህርትን ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ከም ዝምለሱ ንገብር። ቀጻልነት ደገፍናን ዕውት ውጽኢት ሓባራዊ ስራሕ ኣብ ብዙሕ መዳያት እቲ መሰረታዊ ዕማምና እዩ።

ስትራተጀካዊ መሻርኽትና እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ቤት ስሕፈት ዕዮ፡ ጆብ ሰንተር፡ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት
  • ኣማኸርቲ ትካላት ስደተኛታትን ዓለምትን
  • ናይ ሞያ ስልጠና ተቐበልቲ፡ ቤት ትምህርቲታት፡ ፎልክስ ሆኽ ሹለ

እዚ ሽም ZAUG gGmbH ኣብ ከባቢ ጊሰን ብመንግስቲ ዝተፈልጠ ናይ ህዝባዊ ሞያዊ ስልጠና ሞያዊ ብቕዓትን ናይ ስራሕ ምርካብን እዩ ዝፍለጥ ን ዳርጋ 1400 ሰባት ኣብ ዓመት ድማ የሰልጥን። ኣካየድቲ እዚ ትካል ZAUG ኩሎም ናይ ክልል ከተማታትን ማሕበራትን ናይ ክልል ጊሰንን ዩኒቨርስቲ ጊሰንንን ኮይኖም ምምሕዳር ክልል ጊሰን ድማ ቀንዲ መዋሊ እዩ።







Hessenkarte





	Gießen

ናይ ዝርርብ ሰራሕተኛ፡

BLEIB in Hessen II

Walid Sulymankhail

Am Urnenfeld 33 | 35396 Gießen

0641 797966-19

bleib@zaug.de

ናይ ዝርርብ ሰዓታት፡

ቆጸራ ወይ ብተሌፎን ወይ ብኢመይል ኣቐዲምኩም ግበሩ